ፕረ/ፑቲን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ክህሉ ድሕሪ ምእዛዝ፡ ባይቶ ጸጥታ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ።

Share:

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

News


ሕብረት ኤውሮጳ ሩስያ ብትገብሮ ዘላ ናይ ወራር ስጉምትታት ፡ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ የትርርን  ንፈለማ እዋን ንዩክረይን ዘድሊ መሳርሒ ኲናት ንምቕራብ ኣጽዋር ብእተማልአ መገዲ ኽምወል ወሲኑ ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ከም ኣካል እቲ ንሩስያ በይና ኮይና ከምተገለለት ንምርኣይ ፡ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን ፡ ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ኣሎ ።