News
ሕብረት ኤውሮጳ ሩስያ ብትገብሮ ዘላ ናይ ወራር ስጉምትታት ፡ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ የትርርን ንፈለማ እዋን ንዩክረይን ዘድሊ መሳርሒ ኲናት ንምቕራብ ኣጽዋር ብእተማልአ መገዲ ኽምወል ወሲኑ ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ከም ኣካል እቲ ንሩስያ በይና ኮይና ከምተገለለት ንምርኣይ ፡ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን ፡ ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ኣሎ ።

